1“ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብበሪ ዘይኣቱ፥ ብኻልእ ወገን ደዪቡ ዝኣቱ፥ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን እዩ።
2እቲ ብበሪ ዝኣቱ ግና፥ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ።
3ንእኡ እቲ ሓላዊ በሪ ይኸፍተሉ፤ እተን ኣባጊዕውን ድምፁ ይሰምዓ፤ ነተን ኣባጊዑ ኸዓ፥ በብስመን ፀዊዑ የውፅአን።(ሀ)
4ንኹለን ነተን ኣባጊዑ ምስ ኣውፅአን ድማ፥ ቀቅድሚአን ይኸይድ፤ እተን ኣባጊዑውን ድምፁ ስለ ዝፈልጣ ይስዕባኦ።
5ነቲ ኻልእ ግና ድምፁ ስለ ዘይፈልጣ፥ ካብኡ ይሃድማ እምበር፥ ኣይስዕባኦን እየን።”
6ኢየሱስ ነዝ ምስላ እዙይ መሰለሎም፤ ንሳቶም ግና ነቲ ዝተዛረቦም ኣየስተውዓልዎን።
7ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ በሪ ኣባጊዕ ኣነ እየ።
8እቶም ቅድመይ ዝመፁ ዅላቶም፥ ሰረቕትን ጐሓሉትን እዮም፤ ግና እተን ኣባጊዕ ኣይሰምዓኦምን።
9እቲ በሪ ኣነ እየ፤ ብኣይ ዝኣቱ ኽድሕን እዩ፤ ክኣቱን ክወፅእን እዩ፤ መውፈሪውን ክረክብ እዩ።
10እቲ ሰራቒ ግና፥ ክሰርቕን ክቐትልን ከጥፍእን እንተ ዘይኮይኑ ኣይመፅእን እዩ፤ ኣነ ግና፥ ህይወት ምእንቲ ኽረኽቡን ኽበዝሐሎምን እየ ዝመፃእኹ።
11“ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፤ እቲ ሕያዋይ ጓሳ፥ ህይወቱ ቤዛ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ይህብ።
12እቲ ጓሳ ዘይኮነ ዕሱብ ግና፥ እተን ኣባጊዕ ዘይጥሪቱ ስለ ዝኾና፥ ተዅላ ኽመፅእ እንተ ረአየ፥ ነተን ኣባጊዕ ሓዲጉወን ይሃድም፤ እቲ ተዅላ ድማ፥ ነተን ኣባጊዕ ይምንጥለን ይብትነንውን።
13ዕሱብ ስለ ዝኾነ ኸዓ ይሃድም፤ ብዛዕባ እተን ኣባጊዕውን ግዲ የብሉን።
14ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፤ ኣብ፥ ነኣይ ከም ዝፈልጠኒ፥ ኣነውን ንኣብ ከም ዝፈልጦ፥ ነባጊዐይ እፈልጠን እየ፤ እተን ኣባጊዐይውን ይፈልጣኒ እየን፤ ንነፍሰይ ከዓ ቤዛ እተን ኣባጊዕ ኣሕልፋ።
16ካብዝ መጓሰ እዙይ ዘይኮና፥ ካልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ፤ ንኣኣተን ድማ ኸምፅአን እየ፤ ቃለይውን ክሰምዓ እየን፤ ሓደ መጓሰውን ክኾና፥ ጓሳአንውን ሓደ ክኸውን እዩ።
17መሊሰ ንኽወስዳ ንነፍሰይ ቤዛ ኣሕሊፈ ዝህባ ስለ ዝኾንኩ፥ ኣብ የፍቅረኒ እዩ።
18ባዕለይ እየ ቤዛ ኣሕሊፈ ዝህባ እምበር፥ ካባይ ዝወስዳስ ሓደኳ የለን፤ ቤዛ ኸሕልፋ፥ መሊሰውን ክወስዳ ስልጣን ኣለኒ፤ ነዝ ትእዛዝ እዙይ፥ ካብ ኣቦይ እየ ዝተቐበልክዎ።”
19ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ድማ፥ ኣብ ማእኸል ኣይሁድ መሊሱ ምፍልላይ ኮነ።
20ሽዑ ኻብኣቶም ብዙሓት “ጋኔን ሒዝዎ እዩ፤ ዓቢዱውን እዩ፤ ንምንታይ ኢኹም እትሰምዕዎ?” በሉ።
21ካልኦት ግና “እዙይ ጋኔን ናይ ዝሓደሮ ሰብ ዘረባ ኣይኮነን፤ ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕዉራት ክኸፍት ይኽእል እዩ?” በሉ።
22ሽዑ ኣብ ኢየሩሳሌም በዓል ምሕዳስ ህንፃ ቤተ መቕደስ ኮነ፤ ጊዜኡ ኸዓ ኽረምቲ ነበረ።
23ኢየሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ።
24ሽዑ ኣይሁድ ከበብዎ እሞ “ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ኣብ ጥርጥር እተንብረና? ንስኻ ክርስቶስ እንተ ደኣ ዄንካ ኣግሂድካ ንገረና” በልዎ።
25ኢየሱስ ድማ “ነጊረኩም ኣይኣመንኩምንን፤ ንኣይ ዝምስክረለይ፥ እዝ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት እዩ።
26ንስኻትኩም ግና ኸምቲ ዝበልኩኹም፥ ካብተን ኣባጊዐይ ስለ ዘይኮንኩም ኣይትኣምኑን ኢኹም።
27እተን ኣባጊዐይ ግና፥ ድምፀይ ይሰምዓ እየን፤ ኣነ ኸዓ እፈልጠን እየ፤ ንሳተንውን ይስዕባኒ።
28ኣነ ኸዓ ናይ ዘለኣለም ህይወት እህበን፤ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፤ ካብ ኢደይውን ዘሕድገን ሓደኳ የለን።
29እቲ ንኣኣተን ዝሃበኒ ኣቦይ፥ ካብ ኵሉ ይዓቢ እዩ እሞ፥ ካብ ኢድ ኣቦይ ከሕድገን ዝኽእል ሓደኳ የለን።
30ኣነን ኣብን ሓደ ኢና” ኢሉ መለሰሎም።
31ሽዑ ኣይሁድ ክቕጥቅጥዎ መሊሶም እምኒ ኣልዓሉ።
32ኢየሱስ ድማ “ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኣኹኹም፤ ካብኣተን በየነይቲ ግብሪ ኢኹም፥ ብእምኒ ኽትቅጥቅጡኒ ትደልዩ ዘለኹም?” በሎም።
33ኣይሁድ ከዓ “ብእምኒ እንቕጥቅጠካ፥ ብምፅራፍካን ሰብ እንተለኻ ንባዕልኻ ኣምላኽ ብምግባርካን ኢና እምበር፥ በቲ ፅቡቕ ግብርታትካ ኣይኮነን” ኢሎም መለሱሉ።
34ኢየሱስ ድማ “ኣብ ሕግኹም ‘ኣነ፥ ኣማልኽቲ ኢኹም፥ በልኩ’ ዝብል ፅሑፍዶ የለን እዩ?
35እቲ ፅሑፍ ክሰዓር ኣይኽእልን እዩ። ነቶም ቃል እግዚኣብሄር ዝመፀሎም ‘ኣማልኽቲ’ ኻብ በሎም፥
36ነቲ ኣብ፥ ዝቐደሶ፥ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ደኣ ‘ወዲ እግዚኣብሄር እየ’ ስለ ዝበልኩኹም፥ ከመይ ኢልኩም ‘ንእግዚኣብሄር ትፃረፍ ኣለኻ’ ትብሉኒ ኣለኹም?
37ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ ኣይትእመኑኒ።
38ዝገብሮ እንተ ደኣ ኾይነ ግና፥ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩም፥ ኣብ፥ ኣባይ ምህላዉ፥ ኣነውን ኣብ ኣብ፥ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ክተስተውዕሉን፥ ነቲ ግብረይ እመንዎ” ኢሉ መለሰሎም።
39መሊሶም ድማ ኽሕዝዎ ደለዩ፤ ንሱ ግና ኻብ ኣእዳዎም ኣምለጠ።
40መሊሱ ናብታ ዮሃንስ ቀደም ዘጥምቐላ ዝነበረ ስፍራ፥ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደ፤ ኣብኣውን ተቐመጠ።
41ብዙሓት ድማ ናብኡ መፂኦም “ዮሃንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን፤ እቲ ዮሃንስ ብዛዕባ እዝ ሰብ እዙይ ዝተዛረቦ ግና ሓቂ ኾነ” በሉ።
42ኣብኡውን ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ።