1ካብ ሽማግሌ፥(ሀ) ናብታ ሕርይቲ እመቤትን፥ ናብቶም ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮም ደቃን፥ ኣነ በይነይ ዘይኮንኩስ፥ ኵላቶም እቶም ነታ ሓቂ ዝፈልጡዋ ዘፍቅርዎም፤
2እንፈትዎም ድማ፥ ስለ እቲ ኣባና ዘሎ፥ ንዘለኣለም ከዓ ምሳና ዝነብር ሓቂ ኢልና ኢና።
3ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ምሕረትን ሰላምን፥ ብሓቅን ብፍቕርን፥ ምሳና ክኸውን እዩ።
4ካብ ደቅኺ፥ ከምቲ ኻብ እግዚኣብሄር ኣብ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ ገይሮም፥ ብሓቂ ዝነብሩ ስለ ዝረኸብኩ ብዙሕ ተሓጕሰ ኣለኹ።
5ሕዚ እውን እመቤት፥ ሓድሽ ትእዛዝ ዘይኮነስ፥ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ትእዛዝ እየ፥ ዝፅሕፈልኪ ዘለኹ፤ ንሱውን፥ “ንስንሳትና ኽንፋቐር” እልምነኪ ኣለኹ።
6ፍቕሪ ማለት፥ ትእዛዛት እግዚኣብሄር እናፈፀምካ፥ ምንባር ማለት እዩ። ከምቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዎ፥ እቲ ትእዛዝ፥ “ብፍቕሪ ንበሩ” ዝብል እዩ።
7ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሰብ ኮይኑ ብስጋ ኸም ዝመፀ ዘይኣምኑ፥ ብዙሓት መስሐትቲ፥ ናብ ዓለም ወፂኦም ኣለዉ። እዙይ፥ እቲ መስሓቲን፥ ፀረ ክርስቶስን እዩ።
8ንስኻትኩም ግና፥ ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ እምበር፥ ነቲ ዝፀዓርኩምሉ ኸይተጥፍእዎ ተጠንቀቑ።
9እቲ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ፀኒዑ ዘይነብርን፥ ካብኡ ዝርሕቕን፥ እግዚኣብሄር ኣብኡ የለን። እቲ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ፀኒዑ ዝነብር ግና፥ ኣብን ወልድን ኣብኡ ኣለዉዎ።
10ነዝ ትምህርቲ እዙይ እንተይሓዘ ናባኻትኩም ንዝመፅእ፥ ኣብ ገዛኻትኩም ኣይትቀበልዎ፤ ሰላምውን ኣይትበልዎ።
11እቲ ሰላም ዝብሎ፥ ብኽፉእ ግብሩ ይተሓባበሮ እዩ እሞ።
12ብወረቐትን ብቐለምን ደኣ፥ ክፅሕፎ ኣይደለኹን እምበር፥ ናባኻትኩም ዝፅሕፎ ብዙሕ ነገር ነይሩኒ። ሓጐስና ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ግና፥ ናባኻትኩም ክመፅእ እሞ፥ ኣፍ ንኣፍ ክዛረበኩም ተስፋ እገብር።
13ደቂ እታ ሕርይቲ ሓፍትኺ፥ ሰላም ይብሉኺ ኣለዉ።(ለ)